“ቴድሮስ ገረዝጊሄር (ትሪባ) ፡ ሓለፊ ጸጥታ ኤየርፖርት አስመራ ዝነበረ ተፈቲሑ” እሙናት ምንጭታት

ቴድሮስ ገረዝጊሄር( ትሪባ)፡ አብ ዝሐለፈ ወርሒ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተፈትሐ እሙናት ምንጭታት ይሕብሩ።
ናይ ሽኮርያ ሕማም ከም ዘለዎን ብሰንኪ’ዚ ሕማም ይሰቐ ክም ዝነበርን ዝንገረሉ ትሪባ፡ አብዚ ጊዜ’ዚ አብ አስምራ ምስ በዓልቲ ቤተን ደቁን ከምዘሎ ይሕበር። ሕክምና ይገበር ከም ዘሎ’ውን’ቲ ምንጫ ብተወሳኺ አረጋጊጹ።